{"product_id":"መስርሕ-ስርዓተ-ምዕባሌ-ሕብረተሰብን-ወድዓዊ-ዓለምን-afrikaans-edition","title":"መስርሕ ስርዓተ ምዕባሌ ሕብረተሰብን ወድዓዊ ዓለምን (Afrikaans Edition)","description":"መስርሕ ፍልጠት ኣብ መንጎ ወድዓዊ ክውንነትን በዓልቤታዊ ኣስተብህሎን ዝፍጠር ህዋሳውን ስነመጎታውን ምትእስሳራትን መስርሓትን ብተግባርን ክለሳሓሳብን ዝግለጽ ዓውድታት ፍልጠት እዩ። መስርሕ ፍልጠት ካብ ወድዓዊ ዓለም ናብ በዓልቤታዊ ህዋሳዊ ኣስተብሎ ይንጸባረቕ። ካብ ህዋሳዊ ኣስተብህሎ ከኣ ናብ ስነመጎታዊ ኣስተብህሎ ይቕየር። ካብ ስነመጎታዊ ኣስተብህሎ ቀጺሉ ናብ ተግባር ይቕየር። ካብ ተግባር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ይቕየርን ኣንዳማዕበለ ይቕጽልን። ኣብ ከባቢና እንርእዮ ኩሉ ክውንነታት ሳዕቤን ናይ ነገራዊ ጠንቅታት እዩ። እዚ ሳዕቤን ናይ ነገራዊ ጠንቅታት ከኣ ብዘንተመጎታዊ መስርሕ ናይ ፍልጠት ዝተፈጥረ ተርእዮታት እዩ። ስለዚ ምዕባሌ ንቡሱል ወድዕነትን በዓልቤታውነት ዝገልጽ ወድዓዊ ውጽኢት ናይ ተግባርን ክለሳ ሓሳብን እዩ። ካብ ተግባር ወጻኢ ዘሎ ኩሉ ሞሮላውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ሓረጋትን ኣዋጃትን መብጽዓታትን ጓንጓ መናፍሕ ምዝርጋሕ ሓደገኛን ኣዕናውን እዩ። ኣብ ዘይነቕሔ ሕብረተሰብ፡ ወዲሰብ ብህዋሳዊ ስሚዕት ዝምዝመዝን ዝግዛእን ስለዝኾነ ኣብ ድሑር ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ህይወት ተኣሲሩ ዝነብር እዩ። እዚ ከኣ እቲ ገዛኢ ሓይሊንወዲ ሰብ ሰብኣዊ ክብሩ እንዳረገጸን እንዳዓመጸን ብምስሉይ መደናገሪ ጭርሖታት ኣሲርዎ ይነብር። በዓልቤታዊ ኣስተብህሎ ብህዋሳውን ሕብረተሰብኣውን ባህርያት ኣእምርኡ ይንቀሳቀስ። ምንቅስቃስ ሓንጎል ከኣ ስምዒት ይፈጥር፡ ----- ስሚዒት ከኣ ሓሳብ ይቐርጽ ----- ሓሳብ ከኣ ዝለዓለ ጠባይ ናይ ሓንጎልን ኮይኑ ይሰርሕ። ስለዚ ሓሳብ ዝለዓለ ጠባይ ናይ ሓንጎል ስለዝኾነ ግዜ ብምንዋሕ ናብ ባህሪ ይምዕብል። ባህሪ ከኣ ዝለዓለ ጠባይ ኣብ ነገራዊ ሓንጎል ንእእምሮ ዝቕይር እዩ። ወዲ ሰብ ዝዕቀንን ዝምዘንን ከኣ ብዝለዓለ ጠባይ ናይ ሓንጎሉ ወይ ባህርያቱን እዩ። ህዋሳዊ ኣስተብህሎ\/ኣስተውዕሎ - ስነመጎታዊ ኣስተብህሎ - ፍልስፍናዊ ኣስተብህሎ ወዘተ- ብደረጃ ጥምረ ሓሳባት እንዳተሰርዐ ንኣተሓሳስባ ይጸሉን የማዕብልን።ኣብ መስርሕ ፍልጠት ካብ ህዋሳዊ ኣስተብህሎ ናብ ስነመጎታዊ ኣስተብህሎ ዝምዕብል እዩ። ስነመጎት ብዛዕባ ሕግታት ናይ እሩም ምኽንያታት ዘጽንዕ እዩ። ቅድመ- ስነመጎት ማለት ከኣ ጥንታዊ ኣጋባብ ናይ ኣተሓሳስባ ናይ ዘይሰልጠነ ሕብረተሰብ ነይሩ። ስሩዕ ስነመጎት ዝብሃል ከኣ ናይ ረቐቕቲ ሓሳባት (ብተግባር ዝተነጸረ) መጎታዊ ትንተና ዘጽንዕ እዩ። ዘንተመጎታዊ ስነመጎት ከኣ ብዛዕባ ሕግታት ሓሳባትን ምንቅስቃሶምን ምዕባሌኦምን ብተግባር ዘጽንዕ ፍልስፍናዊ ትምህርቲ እዩ። ዘንተመጎታዊ ስነመጎት ንስሩዕ ስነመጎት ብተግባር ኣጽኒዑ ንዘየድሊ ዝነጽጎ፡ ንዘድሊ ከኣ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቕይሮ እዩ። ዘንተመጎታዊ ስነመጎት ባህርያዊ ሕግታት ዘኽብር እዩ። ዘንተመጎታዊ ስነመጎት ንስነፍልጠት ብክለሳሓሳባውን ተግባራውን ውጽኢት ዘለዎ ኣሰራርሓ ንፍልጠት የነጽሮ። ብዘንተመጎታዊ ስነመጎት ዝጽናዕ ስነፍልጠት ብክለሳሓሳባዊ ኣሰራርሓ ንርትዓውነት ማእከል ገይሩ ዝሰርሕን፡ ብወድዓዊ ኣሰራርሓ ዝግደስን ርትዓውን ተግባራውን ውጽኢት ከኣ ዘንጸባርቕን በዓልቤታዊ ኣስተብህሎ እዩ። ብሓፈሽኡ ዘንተመጎታዊ ስነመጎት ናይ ስነፍልጠትን ንቕሓትን ንመጽናዕቲ ዝግበር ስነኣጋባባዊ ኣቀራርባን ወድዓዊ መግለጺ ናይ ኩሉ ዓውድታት ስነፍልጠትን እዩ። ዓውድታት ስነፍልጠት ብወዲሰብ ምስ ተዳህሰሰ ሕብረተሰብኣዊ ስነፍልጠት ይኸውን። ዝምድናታት ናይ ወድዓዊ ዓለምን ወዲሰብ ስለዝኾነ ካብ ባህርያዊ ዓለም ሓይሊ ሓሳባት ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ስነኣእምሮ ይምዕብል ወይ ይፍጠር። ሓይሊ ሕብረተሰብኣዊ ስነኣእምሮ ከኣ በቲ ዘማዕበሎ ንቕሓት ሓዲስ ኣድማሳዊ ምዕባሌ የርኢ። እዚ ምዕባሌታት እዚ ኸኣ ዝተፈላለየ ሕግታትን ክውንነታትን ስለዘንጸባርቕ ኣድማሳዊ ሕግታት ወይ ክውንነታት ምዕባሌ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣድማሳዊ ሕግታት ምዕባሌ መስርሕ ምዕባሌ ናይ ሕብረተሰብን ወድዓዊ ዓለምን እዩ።\u003cbr\u003eASIN: B0DXC531B8\u003cbr\u003eVSKU: BVV.B0DXC531B8.G\u003cbr\u003eCondition: Good\u003cbr\u003eAuthor\/Artist:Micael, Habtemariam\u003cbr\u003eBinding: Paperback\u003cbr\u003e\u003cb\u003eNote:\u003c\/b\u003e Any images shown are stock photographs and product may differ from what is shown.  \u003cbr\u003e\u003cb\u003eCondition Notes\u003c\/b\u003e: The item shows wear from consistent use, but it remains in good condition and works perfectly. All pages and cover are intact  including the dust cover, if applicable . Spine may show signs of wear. Pages may include limited notes and highlighting. May NOT include discs, access code or other supplemental materials.  \u003cbr\u003e","brand":"Blue Vase Books","offers":[{"title":"Default Title","offer_id":43335547093053,"sku":"BVV.B0DXC531B8.G","price":20.65,"currency_code":"USD","in_stock":true}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0589\/4225\/9261\/files\/B0DXC531B8-0.jpg?v=1783733176","url":"https:\/\/www.bluevasebooks.com\/products\/%e1%88%98%e1%88%b5%e1%88%ad%e1%88%95-%e1%88%b5%e1%88%ad%e1%8b%93%e1%89%b0-%e1%88%9d%e1%8b%95%e1%89%a3%e1%88%8c-%e1%88%95%e1%89%a5%e1%88%a8%e1%89%b0%e1%88%b0%e1%89%a5%e1%8a%95-%e1%8b%88%e1%8b%b5%e1%8b%93%e1%8b%8a-%e1%8b%93%e1%88%88%e1%88%9d%e1%8a%95-afrikaans-edition","provider":"Blue Vase Books","version":"1.0","type":"link"}